መን ኢና ንሕና? እንታይ እዩ ድልየትና?

መን ኢና ንሕና?  እንታይ እዩ ድልየትና?

Migra e.V.- ቋንቋ፡ትምህርትን ምውህሃድን ን ስደተኛታት ኣብ መክለንቡርግ- ቮርፖመን

ንሕና ስደተኛታት ካብ ሩስያን፡ዓረብን ቻይናን ተዛረብቲ ቋንቋ ከባቢ ኢና፡ከምኡ ጀርመናውያን፡እቶም ሓቢሮም ን ሓደ ዲሞክራስያዊ፡ሓባራውን ባህላውን ሕብረተሰብ ዝጥቀሙ፡እዚ ብ ስደተኛታትን ጀርመናውያንን ብሓባር ይመሓደር።ስለዚ ከኣ ንሕና ኣብ ክረምቲ 2007 እዚ ማሕበር migra e.V.- ቋንቋ፡ትምህርቲ፡ምውህሃድን ን ስደተኛታ ኣብ መክለንቡርግ-ቮርፖመን ኣብ ሮስቶክ መስሪትናዮ።

ንሕና ቋንቋውን ሞያውን ትምህርቲ እቲ ወሳኒ መፍትሕ ን ሓደ ዕዉት ምውህሃድ ሙዃኑ ኢና ንኣምን፡እቲ ቀንዲ ነጥቢ ናይ ማሕበርና ስራሕ ከኣ ኣብዚ ይርከብ።ኩሎም መስረቲ ኣባላት ናይዚ ማሕበር ንብዙሕ ዓመታት ተመክሮታት ኣብ ምሕደራን ምስናይን ናይ ምውህሃድ መስርሕ ኣብ ዓዳውን፡ዞባውን ሃገራውን ኦይሮፓውን ጽፍሒ ኣለዎም።ናትና ሞያውን ተሞክራውን ፍልጠት፡እቲ ጽቡቕ ርክብ ምስ ስደተኛታትን ጽቡቕ ኣፍልጦ መንገድታት ከምኡ ውን ተሰታፍነት ኣብ መክለንቡርግ-ቮርፖመን ፡ግብራዊ ዝኾነ መፍትሒታት ንምምዕባል ንጥቀመሉ፡እዚ ከኣ ንስደተኛታት ዕድላትን ቀረባትን የመሓይሽ።